ካብ መድረኽ ዝተውሃበ መግለፂ !
መድረክ ታሪካዊ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ብምክያድ ሓዱሽ መሪሕነት ብምምራፅ፣ ዴሞክራሲ ዝጣጠሐላ ኢትዮጵያ ንምግሃይ ብሓዱሽ መንፈስን ብዝለዓለ ምንቕቓሕን ጉዕዝኡ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብዛ ሃገር ብሕቲዊን ፈላማይ ናይ ብሄር ብሄረሰባት ፖለቲካዊ ጥምረት ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት መድረኽ (መድረክ)፣ መበል 17 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ብዝተሳኸዐ ኩነታት ብምክያድ ውሽጣዊ ምንቕቓሑ ንምብሳር ወሳኒ ስጉምቲ ወሲዱ ኣሎ።
ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ግንባር ዝተኻየደ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሓዱሽ ኣመራርሓ ብምምራፅ ሓቀኛ፣ ዴሞክራሲያዊትን ሰላማዊትን ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዘኽእል ስትራቴጂካዊ አንፈት ብምቕማጥ ተዛዚሙ እዩ።
እቲ ዝተመረፀ ሓዱሽ መሪሕነት ካብ መናእሰይ ኣመራርሓን ልምዲ ዘካዕበቱ ነባር ፖለቲከኛታትን ብስትራቴጂካዊ ቅንጅት ዝሓቖፈ እንትኸውን፣ እዚ ውን እቲ ግንባር ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕልኽላኽ ዝበዘሖ ፖለቲካዊ ፈተናታት ብብቕዓት ንክዋፃእ የኽእሎ።
እቲ ሓዱሽ ስራሕ ፈፃሚ ኮሚቴ እዞም ዝስዕቡ ዝሓቖፈ እዩ:-
ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ፦ ናይ መድረክ ሊቀመንበር
አቶ ሱልጣን ቃሲም፦ ምክትል ሊቀመንበርን ሓላፊ ርክብ ህዝብን
ወ/ሮ መርየም ሓሰን፦ ምክትል ሊቀመንበርን ናይ ፋይናንስ ጉዳይ ሓላፊትን
ኣይተ ሙላቱ ገመቹ፦ ተቀዳሚ ምክትል ሊቀመንበርን ውዳበታት ህዝብን
ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና፦ ምክትል ሊቀመንበርን ሓላፊ ጉዳያት ወፃእን
ኣይተ ለገሰ ለንቃሞ፦ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መድረክ
ኣይተ ደስታ ዲንቃ፦ ሓላፊ ምክትል ቤት ፅሕፈት
እቲ ጉባኤ መርሃት መመስረቲ መድረኽ ብምፅናዕ፣ እቲ ግንባር ኣብታ ሃገር ብሕቲዊ ቀንዲ ቐፃልነት ዘለዎ ናይ ብሄር ብሄረሰባት ፖለቲካዊ ግንባር ምዃኑ ኢጉሊሁ ኣርእዩ እዩ።
ሓዱሽ ተመራፃይ ሊቀመንበር ኣይተ ዓምዶም ገብረስላሴ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ “እዚ ጉባኤ ንመድረክ ይኹን ንኢትዮጵያ ታሪካዊ ምዕራፍ እዩ። ሓዱሽ ዓቕሚን ጉልበትን መንእሰይ ወለዶ ምስ ውህሉል ዓቕሚ ምኩራት መራሕቲ ብምውዳድ፣ ሓቀኛ ለውጢ ንምምፃእ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ድልዋት ኢና። ናትና ግንባር ዝተፈላለዩ ህዝብታት ንሓበራዊ ዕላማ ብሕብረት ክቃለሱ ከም ዝኽእል ህያው ምስክር እዩ። እዚ መድረኽ ብምስፋሕ ኣብ ቐፃሊ ዝካየድ መረፃ
ተኣማኒ፣ ሰላማዊን ዴሞክራሲያዊን ኮይኑ ንኽካየድን ዝበለፀ ኣማራፂ ውድብ ኾይኑ ንኽቀርብ ቖሪፅና ተላዒልና ኣለና” ክብሉ ገሊፆም።
መድረኽ ንቐፃላይ ዝስርሑ ግልፂ ስትራቴጂካዊ ኣንፈት ኣቐሚጡ እዩ።
መዋቕር ናይቲ ግንባር ምጥንኻር፣ ሓደሽቲ ውድባት ብምቕባል ኣባላት ምስፋሕ፣ ከምኡ ውን ን2018 ዓ.ም ሓፈሻዊ መረፃ ኣበርቲዑ ምድላው ቀንዲ ኣንፈታት መተኩሮኡ እዮም ።
መድረኽ ሰላማዊ ዘተ ንምብርትታዕ፣ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምስፋንን ኣብዛ ሃገር ሱር ዝሰደደ ናይ ጉልበት ፖለቲካዊ ባህሊ ብዘበናዊን ዴሞክራሲያዊን ስርዓት ንምትካእ ዘለዎ ፅኑዕ ቕዋም ደጊሙ ኣረጋጊፁ እዩ።
እቲ ግንባር ኣብ ዘለውዎ ጥንካረታት በምምርኳስን እዞም ኣጋጣሚታት ብምጥቃምን ኣብዛ ሃገር ሰላማዊ፣ ፍትሓዊን ዕብየት ንምርግጋፅን ናይ ቀፃሊ መፃኢ ዕድል ኣብ ምቕራፅን ወሳኒ ግደ ንምፅዋት ድሉው እዩ።
ብዛዕባ መድረኽ፦
የኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ አንድነት መድረክ (መድረክ) ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፀኣ ኣርባዕተ ኣባል ፓርቲትታት ፖለቲካዊ ጥምረት እዩ። ብ2002 ዓ.ም ዝተመሰረተ መድረክ፤ ኣብ ፌዴራሊዝም፣ ልዕልነት ሕጊ፣ ንሰብኣውን ናይ ጉጅለን መሰል ንምኽባር፣ ከምኡ ውን መርህታት ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ዝተመስረተ ዲሞክራሲያዊ ማህበረሰብ ንምህናፅ ይሰርሕ።
ሰነ 22/2017 ዓ/ም
ኣዲስ አበባ

